እዛ ብውሕሉልን ጥንቁቕ መሰረት ዝገበረ ኩሉ ሰዋስው ዘማለአ ብዝሓበረ ቋንቋ ትግርኛ ዝቐረበት መጽሓፍ፡
ምስ ስድራቤትን ፈተውትን እናተዛነኻ፡ ክእለት ቋንቋኻ ንምምሕያሽ ከም ፍሉይ መሳርሒ ኮይና ከተገልግል ኢያ ተሰናዲኣ።
ኣብዛ መጽሓፍ፡ ግድላት፡ መስቀላዊ ቃላትን ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ምድብ ከም ኣእዋም፡ ኣሕምልቲ፡ ፍረታት፡
ናውቲ ማሕረስ ንዕዮ ዝውክሉ ቃላት ክንፍትሽ ኢና።
ብዓይነቱ ዝተፈልየ እኩብ መስቀላዊ ቃላት ፍልጠትና ንምድላብን፡ ድሩትነት ትግርኛና ንምህብታምን ንዓበይትን ንህጻናትን ዕድመ
ብዘይፈሊ ኣገባብ ብህንጡይነት ደስ ኢልኩም ክትዘናግዕሉ ዘኽእል ምሉእ ሓሳባት ብዘየዋጥር ሜላዊ ኣጸሓሕፋ
ግዜና ሰዊእና ኣብ መፈጸምታና ኣብጺሕና ትሕዝቶና ናባኹም ከነብል ምኽኣልና ሓጎስና ወሰን የብሉን።
መባእታ ይኹን ኣብ ደረጃ ዝበጽሐ ተማሃራይ፡ እዞም ዘይተፈትሑ ግድላት ፍልጠትካ ንምፍታሽን ክእለት ቋንቋኻ
ንምምሕያሽን ሓይሊ ይኾነካ ጥራይ ዘይኮነ፡
ስነ ሓሳብ ኣብ ቋንቋ ኣዴኻ ብቅኑዕ ርድኢት ክትፈልጥ ዝሕግዙ ኮይኖም ኢዮም ተዳልዮም።
ስለዚ ኣብዞም ንጥፈታት ብምውፋር ናይ ቋንቋ ዓቕምኻ ተዕቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃብታም ቅርሲ ተዛረብቲ
ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ሕብረተሰብ ትጽንብል።